mizansaving1997@Gmail.com +251 34 24162 55/56/57/+251 95 25656 56

ብዛዕባ 2015 ጉባኤ

  • ዝተካየደሉ ዕለት : ጉንበት 6 2015 ዓ/ም
  • ተሳተፍቲ : ተወከልቲ ቤት ምክርን ዕድሟት ኣጋይሽን
  • ስልኪ ቁፅሪ : +251 952565656
  • ኢሜል : mizansaving1997@gmail.com

ብዛዕባ ጉባኤ

ድሕሪ መረርቲ ናይ ኩናት ዓመታት ሓላ/ዝተ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን ብዕለት 06/09/2015ዓ/ም ናይ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብምስላጣ ዓበይቲ ውሳነታት ኣሕሊፋ።

ካብቶም ውሳነታት ንምጥቃስ

  • ናይ ዝሓለፈ ካብ 01/11/2013 ዓ/ም ክሳብ 30/10/2015 ዓ/ም ክልተ በጀት ዓመት 24 ኣዋርሕ ውዝፍ ልቓሕ ክፍሊት ምንዋሕ ክግበረሉ ተወሲኑ።
  • ናይ 24 ወርሒ ውዝፍ ልቓሕ ወለድ 10.5% ብዓመት ዝሕሰብ ዝነበረ ብ7% ክሕሰብ፤ እቲ ውዝፍ ክፍሊት ናብ ወርሓዊ ዝኸፍሎ ክፍሊት እንተተደሪብዎ ልዕሊ ዓቅሙ ከይኸውን ንበይኑ ተተኺሉ ካብ ዝረኽቦ ዕቋር ወለድ እናተከሓሓሰ ክኸይድ (ማለት ኣባል ካብ ሎሚ ጀሚሩ ናይ ሓደ ወርሒ ተመላሲ ልቓሕን ናይ ሓደ ወርሒ ልቓሕ ወለድን ምስ ወርሓዊ ዕቋሩ ጥራሕ ክኸፍል) ተወሲኑ።
  • ክፍሊት ልቓሕ ይኹን ዕቋር ካብ ሐዚ ጀሚሩ ክኽፈል ብመተሓዳሪ ደንቢ መሰረት ክኽፈል ዝግደድ ግን ካብ 01/11/2015 ዓ/ም ጀሚሩ ይኸውን።
  • ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ክኸፍል ዝነበሮ ውዝፍ ልቓሕ ይናወሐሉ ብምህላዉ ናይ ልቓሕ ዝመርሖ ሂወት መድሕን ውሕስና 2% ክኽፍል ይግደድ (ኩነታት ኣከፋፍላ ናይ ኣባላት ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ብመምርሒ ክውሰን)፤ ኣይከፍልን ዝብል እንተኾይኑ ድማ ጠቅሊሉ ዘለዎ ውዝፍ ልቓሕ ይኸፍል።
  • ዕቋር ሐዚ ክጅምር ይክእል እዩ ብመተሓዳደሪ ደንቢ መሰረት ዝግደድ ድማ ካብ 01/11/2015 ዓ/ም ንድሓር ይኸውን።
  • ዕቋር ድሕሪ 01/11/2015 ዓ/ም ጠቅሊሉ ውዝፍ ዝነበሮ እንተኸፊሉ ድሕሪ 6ተ ኣዋርሕ ልቓሕ እንተሓቲቱ 50% ሪጋ ልቓሕ ሒዞም ካብ ዝነበሩ ቀዳምነት ይረኽብ።
  • ኣብዞም ዝሓለፉ ናይ ኩናት ዓመታት ዕቋሮም ይኹን ልቐሖም ብዘይምቁርራፅ ዝኸፍሉ ዝነበሩ ይኹን ጠቅሊሎም ውዝፎም ከፊሎም ዝነበሩ ሪጋ ልቓሕ ቀዳምነት 50% ካብ ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ ይወሃቦም ።
  • ውሕስና ልቓሕ ዝምልከት ናይ ሊብረ ተሽከርከርቲ ውሕስና ክተኣታቶ ተወሲኑ።
  • ሓዱሽ ዕቋር (special saving) ንዓበይቲ ትካላት ክተኣታቶ ተወሲኑ።
  • ፉሉይ ዕቋር (special saving )ንመኪናን ገዛን መግዝኢ ዕቋር ክተኣታቶ ተወሲኑ።
  • ወርሓዊ ፅቋር ካብ ብር 100.00 ክሳብ 10,000.00 ዝነበረ ክሳብ ብር 15,000.00 ክብ ክብል ተወሲኑ
  • መመዝገቢ ንሓደሽቲ ኣባላት ብር 350 ዝነበረ ብር 500.00 ክኸውን ተወሲኑ
  • ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ብር 1,000,000.00 ዝነበረ ክሳብ ብር 2,000,000.00 ክኸውን ተወሲኑ
  • ፍሉይ ዕቋር (Special saving) ንድያስፖራ ዕቋር ክተኣታቶ ተወሲኑ
  • ጨናፍር ቤት ፅሕፈት እናተፀንዐ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ናብ 9 ክዓብያ ተወሲኑ
  • ኦዲት ሪፖርት 2012/2013 ዓ/ም ክፀድቅ ተገይሩ
  • ትልምን በጀትን 2015/2016 ክፀድቅ ተገይሩ

እዚኦምን ካልኦት ዝግባእ ምይይጥን ምርድዳእን ተገይርሎም ኣብ ስራሕ ክውዕሉ ቤት ምኽሪ ሓላ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቋሕን ሚዛን ውሳነኡ ኣሕሉፉ ኣሎ ። እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ቐፃሊ መዓልትን ስዓትን ብሚድያ ዝግለፅ ኮይኑ ምስ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዘለው ኣባላት ምኽኽር ከም ዝግበሮሎም ንሕብር።

ፅባሕ ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ሎሚ ምዕቋር!!