ዛዕባ ሚዛን ዕቋርን ልቃሕን

ሓላ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ሚዛን ብ1997 ዓ/ም ብ 16 ኣባላት ብብር 3,200/ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን/ መበገሲ ካፒታልን ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተመስሪታ ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይዛ ማሕበር ኣባላት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ካብቲ ቤት ፅሕፈት ወፃኢ ዝርከቡ አብ መንግስታውን ዘይመንግታውን ተቆፂሮም ዝሰርሑ ክፍቲ ብምግባር ኣባላት ክኾኑ ስለዝተወሰነ ኣባላታን ካፒታላን ብጣዕሚ ፅቡቅ ዝበሃል ዕቤት ተመዝግብ ዘላ ማሕበር እያ።

ዕቋር

ኣባል ይኾን ዘይኣባል ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ነኪዩ ብስሩዕ ዕቋር ፣ ድሌት ዕቋር ፣ ብፍሉይ ዕቋር ፣ ብግዘ ገደብ ዕቋርን ብኻልኦት ዓይነትን ኣብ ማሕበር ዝዓቑሮ ገንዘብ እዩ።

ንኣባላት ዝወሃብ ነዊሕ ልቓሕ

ልቓሕ ዝፍቀድ ኣብ ማሕበር ብኣባልነት ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 6 ወርሕን ልዕሊኡን ንዝዓቖረ ፤ካብ ካልእ ማሕበር ብዝውውር ንዝመፀ ኣባላት ልቓሕ ዝፍቀድ ድማ ካብ ዝተዛወረሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 4 ኣዋርሕ ምስዓቖሩ ክሳብ 5,000,000.00 (ብር ሓሙሽተ ሚልዮን) ካብ 7 ክሰብ 10 ዓመት ዝምለስ ይኸውን

ንኣባላት ዝወሃብ ሓፂር ልቓሕ

ልቓሕ ዝፍቀድ ኣብ ማሕበር ብኣባልነት ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 6ተ ወርሕን ልዕሊኡን ንዝዓቖረ ኮይኑ ብዝውውር ዝመፀ ድማ ብዝውውር ካብ ዝመፀሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 4 ኣዋርሕ ዝዓቖረ ክኸውን ኣለዎ፤ ክሳብ ብር 24,000.00 (ብር ዒስራ ኣርባዕተን ሽሕ) ኣብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝምለስ ኮይኑ ኣባል ነዊሕ ልቓሕ ዋላ ይሃልዎ ሓፂር ልቓሕ ክወስድ ይኽእል እዩ፤

ልኡኽ

ኣባላት ብቑዕን ዘተኣማምንን ግልጋሎት ዕቋር ብምሃብ ናይ መድሕን ውሕስና ዘለዎ ልቓሕ ግልጋሎት ረኺቦም ብውልቀን ከም ማሕበርን ኣብ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ምዕቡል ናብራ ክህልዎም ምግባር እዩ ፡፡

ራእይ

ብ 2020 ኣብ ትግራይ ብደረጃ ብቕዓታን ኣዋህባ ግልጋሎታን ብልፅቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኮይና ምስ ካልኦት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምትሕብባር ባንኪ ኣጣይሻ ቁጠባውን ማሕበራውን ፀገማት ኣባላታ ተፈቲሑ ምርኣይ ፡፡

ሓፈሻዊ ዕላማ

ኣባላት ብውልቀ ክዋፅእዎ ዘይኽእሉ ናይ ሓባር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ፀገማቶም ፍልጠቶም፣ ሃፍቶም፣ ግዜኦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ ምቅላልን ምፍታሕን እዩ ፡፡

ንኣባልነት ዘብቅዕ ረቋሒ

  1. ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ
  2. መተሓዳደሪ ደንቢ፣ ውሽጢ ደንብን ዝተፈላለየ መምርሕን እዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተግባራዊ ንምግባር ፍቃደኛ ዝኾነ፣
  3. ብማሕበር ዝተወሰነ መመዝገቢን ካልኦት ክፍሊታትን ዝኸፍል፣
  4. ዕፃን ስሩዕ ዕቋርን በቢወርሑ ክኸፍል ዝኽእል፣
  5. ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልኦ ኣብ ህፃናት ዕቋር እናዓቆረ ዝፀንሐ፤
  6. ካብ ካሊእ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብዝውውር ወይ ዝነበሮም ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብውሳነ ጠቅላላ ጉባኤ ብምፍራስ ዝመፁ፣
  7. አባል ክኮኑ ይዶልዩዶ ?

መሰል ኣባላት

  • ዝተፈላለየ ግልጋሎት ዕቋር ምርካብ፣
  • ግልጋሎት ልቓሕ ምርካብ፣ ዋሕስ ምዃንን፣
  • ዝተፈላለየ ግልጋሎት ኢንሹራንስ ተጠቃሚ ምዃን፣
  • ብዝተዓቖረ ገንዘብ ወለድ ምርካብ፣
  • ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንኣመራርሓ ክትመርፅን ክትምረፅን ምኽኣል፣
  • ሒሳብ መግለፂ፣ ውሽጠ ቑፅፅር ስርዓትን ማሕበር መብርሂ ምሕታትን ግቡእ ምላሽ ምርካብ፣
  • ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ትርፊ መቐሎ ምርካብ፣
  • መሰሉን ጥቕሙን ተኸቢርሉ ብድሌቱ ካብ ኣባልነት ምስንባት፣
  • ብሓፈሻ ብማሕበር ዝወሃብ ግልጋሎትን ጥቕምን ምርካብ መሰል ኣለዎ፣
  • ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ምምራፅን ክትምረፅ ምኽኣልን
  • ኣብ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ዘይተመረፁ ኣባላት ብተወከልቲ ቤት ምኽሪ ዝተወሰኑ ውሳነታትን ስራሕ ትልምን ናይ ምፍላጥ መሰል ምህላው

ግቡእ ኣባላት

  • ክፍሊት ዕፃን መመዝገቢን ምኽፋል፣
  • ብተኸታታሊ ወርሓዊ ዕቋሩ ብእዋኑ ምዕቛር፣
  • ዝተወሰደ ልቓሕ ብዝተፈቀደ ንግዲ ትልሚ መሰረት ምፍፃም፣
  • ስራሕቲ ኢንሹራንስ ተግባራዊ ምግባር፣
  • ብውዕል መሰረት ልቓሕ ብእዋኑ ምምላስ፣
  • ኣብ ኣኼባ ምርካብን ተሳትፎ ምርግጋፅን፣
  • ሓባር ንብረትን ገንዘብን ማሕበር ምክንኻን፣
  • ብኣብዘሓ ድምፂ ተገዚእኻ ግቡእኻ ምፍፃም፣
  • ሓደሽቲ ኣባላት ምፍራይ፣
  • ንውላድካ ምዕቋር
  • ማሕበር ዝሓቶ ድጋፍ ጉልበትን ገንዘብን ምስታፍ፣
  • ኣብ ኣባልነት መመዝገቢ ቅጥዒ ካብ ዝመልኦ ሓበሬታ ወፃኢ ለውጢ እንትህሉ ንማሕበር ናይ ምፍላጥ ግቡእ ኣለዎ፣
  • መተሓዳደሪ ደንቢ፣ ስሪትን መምርሕን ከምኡ እውን ውሳነ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ተግባራዊ ምግባር፣
+390,000,000

ጠቅላላ ሃፍቲ

+14,000

ጠቅላላ አባላት

+550,000,000

በዝሒ ዝተወሰደ ልቃሕ

+3000

በዝሒ ህፃናት

ግልጋሎት ዕቋር

ወርሓዊ ዕቋር

    ናይ ሓደ ኣባል ወርሓዊ ስሩዕ ዕቋር ዝነኣሰ ብር 100.00 (ብር ሓደ ሚኢቲ) ዝለዓለ ድማ ብር 50,000.00 (ብር ሓምሳ ሽሕ) ይኸውን፤

    ኣባላት ብጥርኑፍ ምስ ቤት ዕዮኦም ብምርድዳእ ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋሮም ከከም ኣድላይነቱ በቢ ወርሑ ካብ ፔሮል እናተቆረፀ እቲ ዘስሮሖም ትካል ብሽም ዝርዝሮም ናብዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ምግባር ይኽእሉ እዮም ፤

    ኣባል ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋሩ ክውስኽ ይኽእል ኮይኑ ግን 50,000.00 (ብር ሓምሳ ሽሕ) ክበልፅ የብሉን፤

    ኣባል ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋር ክሳብ 50% /ሓምሳ ሚኢታዊ/ ምቕናስ ይክእል እዩ።

    ኣባል ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋሩ ብተኸታታሊ ክዓቁር ግቡእ ዘለዎ ኮይኑ ካብ ጠቕላላ ወርሓዊ ስሩዕ ዕቋሩ ብሬሾ 5፡1 ዝቕመጥ ይኸውን፤

    ብሬሾ ዝተቐመጠ ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋር 7% /ሸውዓተ ሚኢታዊ/ ብዓመት ወለድ ዝሕሰበሉ ይኸውን፤

    መኽፈሊ እዋን ስሩዕ ዕቋር በቢወርሑ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 30 ይኸውን፤

    ስሩዕ ዕቋር ብእዋኑ ኣታዊ ዘይገበረ ወይ ቐኒሱ ዝኸፈለ ኣባል ንዘይከፈሎ መጠን ስሩዕ ዕቋር ነንሕድሕድ ወርሒ ክልተ ፐርሰንት ቅፅዓት ወሲኹ ይኸፍል፤

ድሌት ዕቋር

ድሌት ዕቋር ካብ ሰናይ ድሌት ኣባላትን ዘይኣባላትን ዝዕቆር ገንዘብ እዩ፣

ብድሌት ዕቋር ዝቕመጥ ገንዘብ 8% /ሸሞንተ ሚኢታዊ/ ብዓመት ወለድ ይሕሰበሉ፤

ብድሌት ዓቋሪ ካብ ወለድ ነፃ ድሌት ዕቋር ግልጋሎት ክወሃብ ይኽእል፤

ድሌት ዕቋር ንውሕስና ልቓሕ ግልጋሎት ክውዕል ይኽእል፤

ኣብ ድሌት ዕቋር ዝተዓቆረ ገንዘብ ዓቋራይ ናብ እዛ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝነፀረቶ ሞባይል ቁፅሪ ሽሙ፤ መፍለዪ ቁፅሩ፣ መጠን ወፃኢ ክገብሮ ዝደሊ ገንዘብ ፣ናይ ውልቀ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሩን ነፂሩ እንተልኢኹ ናይ ባዕሉ ሒሳብ ምዃኑ ተረጋጊፁ ናብ ባንኪ ሒሳቡ ክለኣኸሉ ይግበር።

ህፃናት ዕቋር

ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ዝዓቑርዎ ገንዘብ እዩ፣

ዕቋር ህፃናት ንልቓሕ ውሕስና ኣይውዕልን፣

ንዕቋር ህፃናት ተባሂሉ ዝዕቆር ገንዘብ 10%/ዓሰርተ ሚኢታዊ/ ብዓመት ወለድ ይሕሰበሉ፣

ንሙስሊም ህፃናት ካብ ወለድ ነፃ ግልጋሎት ዕቋር ይወሃብ፣

18 ዓመት ምስመልኦም ብድሌቶም ብዘይ ናይ መመዝገቢ ክፍሊት ስሩዕ ኣባል ክኾኑ ይኽእሉ፤ እንተዘይኮይኖም ግን ዝዓቆርዎ መጠን ገንዘብ ናብ ድሌት ዕቋር ይዘውር

ፍሉይ ዕቋር

ወለድ ኣልባ ፍሉይ ዕቋር ንተኸተልቲ እምነት እስልምና

ካብ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝዕቆር ገንዘብ ካብ ወለድ ነፃ ይኸውን፣

ወለድ ኣልባ ፍሉይ ዕቋር ዓቆርቲ ንዝወሰድዎ ልቓሕ ወለድ ኣይኸፍሉን፣ኮይኑ ግን ናይ ግልጋሎት ክፍሊት ልቓሕ ክወስዱ ከለዉ ብፅንዓት መሰረት ኣብ መምርሒ ልቓሕ ብዝንፀር ፐርሰንት ክኸፍሉ ይግበር፣

ኣብ እዋኑ ናይ ዘይተኸፈለ ወለድ ኣልባ ፍሉይ ዕቋርን ልቓሕን ኣብዚ ደንቢ ዘሎ ናይ ስሩዕ ዕቋርን ልቓሕን ቕፅዓት ተፈፃምነት ይህልዎ፣

ወለድ ኣልባ ፍሉይ ዕቋር በብዓመቱ ንኣባላት ካብ ዝከፋፈል ትርፊ መቐሎ ኣይወስዱን

ዕቋር ጊዜ ገደብ

ኣብ ዝኾነ እዋን ብዓቋሪ ወፃኢ ኣይኸውንን፤

ኣብ መንጎ ዓቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ውዕል ክፍፀም ኣለዎ፤

ብጊዜ ገደብ ዝተዓቆረ ገንዘብ ቅድሚ ዝተቐመጠሉ ግዜ ገደብ ከውፅእ ዓቋሪ እንተሓቲቱ ብናይ ስሩዕ ዕቋር ወለድ ይኽፈሎ፤

ጊዜ ገደብ ዕቋር ንውሕስና ልቓሕ ግልጋሎት ክውዕል ይኽእል፤

ፍሉይ ዕቋር ንተሽከርከርቲን ገዛን ዝውዕል

ናይዚ ዕቋር ተጠቃሚ ዝኸውን ብኣባልነት እዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝተመዝገበ ኮይኑ ብተኸታታሊ በበወርሑ ንዝወስዶ ልቓሕ ዝምጥን ወርሓዊ ማእኸላይ ዕቋርን ልዕሊኡን ክዓቁር ዝኽእልን እዩ፤

ንተሽከርከርቲ መግዝኢ ዝዓቁሩ ኣባላት ናይቲ ዝሓትዎ መጠን ልቓሕ 30% /ሰላሳ ሚኢታዊ/ ልዕሊኡን ክዓቑሩ ኣለዎም፤

ንገዛ መግዘኢ ወይ መስርሒ ዝዓቁሩ ኣባላት ናይቲ ዝሓትዎ መጠን ልቓሕ 25%/ዒስራን ሓሙሽተን ሚኢታውን/ ልዕሊኡን ክዓቑሩ ኣለዎም፤

ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር /Queen Special Saving/

ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር ንቡሉፃት ስራሕ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር ይኸውን፤

ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር ንቡሉፃት ስራሕ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ መመዝገቢ ክፍሊት ብር 2,000.00 /ብር ክልተ ሽሕ/ ይኽፈል፤

ኣብ ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር ዝዕቆር ዕቋር 7% /ሸውዓተ ሚኢታዊ/ ዕቋር ወለድ ይሕሰበሉ

ብንግስቲ ዕቋር ዝተዓቆረ ናይ እስልምና እምነት ተኸተልቲ ወለድ ኣይሕሰበሉን፤

ኣብ ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር 25% /ዒስራን ሓሙሽተን ሚኢታዊ/ ምስተዓቆረ ክሳብ ብር 500,000.00 /ብር ሓሙሽተ ሚኢቲ /ልቓሕ ይፍቀድ፤

ብናይ ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር 4/ኣርባዕተ/ ወርሒ ብተመሳሳሳሊ መጠን ወይ ልዕሊ ማእኻላይ ዕቋር እንተተዓቂረን ልቓሕ ምሕታት ይከኣል፤

ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ብናይ ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር ዝተዓቆረ ዕቋር ዝተወሰደ ልቓሕ ወለድ ኣይሕሰበሉን ኮይኑ ግን ግልጋሎት ክፍሊት ኣብ ልቓሕ መምርሒ ብዝተቐመጠ መሰረት ይኽፈል፤

ብናይ ንግስቲ ፍሉይ ዕቋር ዝተወሰደ ልቓሕ ዝነውሐ መምለሲ ጊዜ 36 ኣዋርሕ (ሰለስተ ዓመት) እዩ

ፍሉይ ዕቋር ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ /special saving for Diaspora/

ናይዚ ዕድል ተጠቃሚ ንምዃን መመዝገቢ ብር 2,000.00 /ብር ክልተ ሽሕ/ ብምኽፋል ፓስ ፖርት (pass port) ስካን ገይሩ ብምእታው ኣብ ዝተዳለወ ናይ ዌብ ሳይት ቅጥዒ ወይ ብኢሜል መረዳእታ ብምልኣኽ ወይ ብስልኪ ወይ ብኣካል ቀሪቡ ምምዝገብ ይከኣል፤

ተጠቃሚ በቢ ወርሑ ወይ ኣቀዲሙ ናይ ብዙሕ ኣዋርሕ ብሐደ ግዜ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ኮይኑ ብሐወላ ፣ብኢትዮ ዳይረክትን (EthioDirect) ናብ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝነፀረቶ ቁፅሪ ስልኪ ወይ ካልእ ዝሐሸ ኣማራፂ ተጠቒሙ ምዕቋር ይኽእል፤

ተጠቃሚ ዝዓቑሮ ዕቋር ብዶላር፣ ዩሮ ፣ፓውንድ፣ርያል ወዘተ ክኸውን ይኽእል፤

ተጠቃሚ ናብ እዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብሓዋላ ዝተልኣኸ ገንዘብ ብናይቲ ዕለት ሸርፊ ተመን ቢሄራዊ ባንኪ ናብ ብር ተቐይሩ ይኸውን፤

መጠን ዕቋር በቢ ወርሑ ክሳብ ብር 50,000.00 /ብር ሓምሳ ሽሕ/ ምዕቋር ይከኣል፤

ዝተዓቆረ ገንዘብ ወለድ 8% /ሸሞንተ ሚኢታዊ/ ይሕሰበሉ

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ብፍሉይ ዕቋር ዝዓቁርዎ ዝነብሩ ኣብ ዓዶም እንትምለሱ ናብ ስሩዕ ዕቋር ክልወጠሎም እንተሓቱ ብዘይ መመዝገቢ ክፍሊት ብኣባልነት ተመዝጊቦም ናብ ስሩዕ ዕቋር ብሌቨሬጅ ሬሾ ኣብ ዕፃን ዕቋርን ይቕመጥ፤

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዝነበሩ ኣብ ፍሉይ ዕቋር እናዓቆርዎ ዝነበረ ናብ ስሩዕ ዕቋር ተለዊጥሎም ብኣባልነት እንተተመዝጊቦም እዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ንኣባላት ዝህቦ ግልጋሎት ናይ ምርካብ መሰሎም ይህለወሎም ።

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር ወለድ 7% /ሸውዓተ ሚኢታዊ/ ይሕሰበሉ፤

ብናይ እስልምና እምነት ተኸተልቲ ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር ወለድ ኣይሕሰበሉን፤

ንሁፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ዝዕቆር ዕቋር መመዝገቢ ክፍሊት ብር 2,000.00 /ብር ክልተ ሽሕ/ ይኸፍል፤

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር ህፁፃት ዝኾኑ መትረፍቲ ስራሕትን ወይ መጠናኸሪ ንግድን ዝውዕል ይኸውን፤

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ዝዕቆር ዕቋር 4 /ኣርባዕተ/ ኣዋርሕ ልዕሊኡን ብተኸታታሊ ብማዕረ ወይ ኣቀዲምካ ልዕሊ ማእኸላይ ዕቋር ምስተዓቆረ ዝፍቀድ ይኸውን ፤

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ዝወሃብ 30% /ሰላሳ ሚኢታዊ/ ኣቐዲሙ ምስዓቆረ ይኸውን ፤

ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ልቓሕ ንምርካብ ብዝዕቆር ዕቋር ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ብር 500,000.00/ ብር ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ/ እዩ ፤

ናይ እስልምና እምነት ተኸተልቲ ንህፁፃት መትረፍቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝወሃብ ልቓሕ ተኸተልቲ 30% ምስተዓቆረ ልቓሕ ክሳብ ብር 500,000.00/ብር ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ/ ብዘይ ወለድ ዝፍቀድ ኮይኑ ግልጋሎት ክፍሊት ይኽፈለሉ፤

ምስልታት ጉባኤ መስከረም 2017 ዓ/ም

ምስልታት ጉባኤ 2016 ዓ/ም

ምስልታት ጉባኤ 2015 ዓ/ም

ሒሳብ ቁፅርታትና

አባላት ሚዛን ዕቋርን ልቃሕን ብዞም ዝስዕቡ ሒሳብ ቁጽርታት አታዊ ግበሩ

ኢ/ያ ንግዲ ባንኪ

1000236511565

አቢስንያ ባንኪ

5758653

አንበሳ ባንኪ

00311055091-53

ወጋገን ባንኪ

0799965530301

እናት ባንኪ

0101142664217001

ደደቢት ማ/ፋ

1004962105

ባንኪ ዳሽን

5013032701011

ባንኪ ኣባይ

2511211044594912

ባንኪ ሕብረት

2440413666166023

ባንኪ ኣዋሽ

013531288679800

ባንኪ ንብ

7000063268416

ተደጋጊሞም ዝሕተቱ ሕቶታትን መልሲታቶምን/FAQ/

  • ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ

    መተሓዳደሪ ደንቢ፣ ውሽጢ ደንብን ዝተፈላለየ መምርሒታትን እዚ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተግባራዊ ንምግባር ፍቃደኛ ዝኾነ፣

    ብ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝተወሰነ መመዝገቢን ካልኦት ክፍሊታትን ዝኸፍል፣

    ዕፃን ስሩዕ ዕቋርን በቢወርሑ ክኸፍል ዝኽእል፣

    ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልኦ ኣብ ህፃናት ዕቋር እናዓቆረ ዝፀንሐ፤

    ካብ ካሊእ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብዝውውር ወይ ዝነበሮም ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብውሳነ ጠቅላላ ጉባኤ ብምፍራስ ዝመፀ፣

    ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኮይኖም ፍሉይ ዕቋር እናዓቆሩ ዝነበሩ ናብ ትግራይ ዝተመለሱ፤

  • ኣብ ቐረባ ብዘሎ ሕጋዊ ወኪሉ ወይ ብኦንላይን (ዌብሳይት ወይ ብስልኪ 0952565656 ብምድዋል) ተመዝጊቡ ኣባል ብምዃን ክዓቁር ይኽእል እዩ።

  • እወ ይክኣል። ኣብ ርእሲ እዚ ድሕረ- ገፅ “ሓዱሽ ንምምዝጋብ” ናብ ዝብል ይኽዱ። ኣብኡ ዝተቐመጡ ነጥቢታት መሊኦም ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ምምዝጋብ ይኽእሉ እዮም።

  • እወ። ናይ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣቐድምካ ምዕቋር ይካኣል እዩ። እዚ ኮይኑ ግን ልቓሕ ዝፍቐድ ናይቲ ዝተዓቖረ መጠን እዋኑ እንትበጽሕ እዩ ተባዚሑ ዝወሃብ።

  • ናይ ሓደ ኣባል ወርሓዊ ስሩዕ ዕቋር ዝነኣሰ ብር 100.00 (ብር ሓደ ሚኢቲ) ዝለዓለ ድማ ብር 50,000.00 (ብር ሓምሳ ሽሕ) ይኸውን፤

  • ኣባል ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋር ክሳብ 50% /ሓምሳ ሚኢታዊ/ ምቕናስ ይክእል እዩ።

  • ካብ ዕለት 1- 30 ወይ ወርሒ ሙሉእ ኣብ ዘሎ እዋን ስራሕ ምዕቛር ይካኣል።

  • ንተኸታታሊ 6 ኣዋርሕ ክዓቁር ዝፀንሐ ኣባል ዝኾነ ኩሉ ካብ 7ይ ወርሒ ጀሚሩ ልቓሕ ምሕታት ይኸእልን ናይ ምሕታት ምሰል ይህልዎን።

    ልቓሕ ዝፍቀድ ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ብኣባልነት ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 6ተ ወርሕን ልዕሊኡን ኣብ ስሩዕ ዕቋር ንዝዓቖረ ኮይኑ ብዝውውር ዝመፀ ድማ ብዝውውር ካብ ዝመፀሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 4 ኣዋርሕን ልዕሊኡን ኣብ ስሩዕ ዕቋር ዝዓቖረ ክሳብ ብር 10,000,000.00 (ብር ዓሰርተ ሚልዮን) ኣብ ውሽጢ 7-10 ዓመት ዝምለስ ክወስድ ይክእል እዩ።

  • ዝወሃብ መጠን ልቓሕ ብእዋኑ ብዘይምቁርራፅ ዝዓቁር፣ ኮይኑ ኣባል ዘየፍረየ ዘለዎ መጠን ስሩዕ ዕቋር (ዕፃ ከይሓወሰ) ሽድሽተ ዕፅፊ እዩ፣

    ብእዋኑ ስሩዕ ወርሓዊ ዕቋሩ ብዘይምቁርራፅ ዝዓቁር፣ ኣብ ሓደ ስራሕ ዘበን ክልተ ኣባልን ልዕሊኡን ዘፍረየ ድማ ናይ ስሩዕ ዕቋሩ ዕፃ ከይሓወሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ልቓሕ ይወሃቦ፤

    ብወለድ ኣልባ ፍሉይ ዕቋር ዝተዓቆረ ዕቋር መሰረት ብምግባር ብዓይነት ልቓሕ ክፍቀድ ይኽእል

    ወርሓዊ ዕቋሩ ዘየቆራረፀ ፣ ወሲድዎ ዝነበረ ነዊሕ ልቓሕ ብዘይ ምንም ምቁርራፅ ዝመለሰ፣ በቢ በጀት ዓመቱ ክልተን ልዕሊኡን ኣባላት ዘፍረየ፣ ንህፃናት ውላዱ ዝዓቁርን እንተኾይኑ ናይ ስሩዕ ዕቋሩ ዕፃ ከይሓወሰ ሸሞንተ ዕፅፊ ልቓሕ ይወሃቦ፤

  • ዝኾነ ኣባል ልቓሕ ንክረክብ ቀፂሎም ዘለዉ መማረፂታት ምጥቓም ይኽእል። ብዕቋር ካልኦት ኣባላት፥ ናይ 6 ወርሒ መሃያ ፥ ኣክሲዮን፥ ቦንድ፥ ሊብሬ፥ ገዛ እዮም።ሓደ ኣባል ን3ተ ኣባላት ምውሓስ ይክእል እዩ።

    ትሕቲ ብር 500,000.00 /ብር ሓሙሽተ ሚኢትን ሽሕ/ ዝወሃብ መጠን ልቓሕ ብዕቋር፣ብሸር፣ ቦንድ ፣ ወርሓዊ መሃያ፣ ተሽከርካሪን ገዛን ውሕስና

    ልዕሊ ብር 500,000.00 /ብር ሓሙሽተ ሚኢትን ሽሕ / ዝወሃብ መጠን ነዊሕ ልቓሕ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ነቲ ዝወስዶ ልቓሕ ዝመጣጠን ናይ ከተማ ገዛ ወይ ናይ ተሽከርካሪ ሊብረ ውሕስና

    ልዕሊ ብር 2,000,000.00 /ብር ክልተ ሚልዮን/ ዝውሃብ ልቓሕ ገዛ ውሕስና ወይ ንንተሽከርካሪ መግዘኢ ተባሂሉ ብዝተዓቆረ እንተኾይኑ ዝግዛእ ሓድሽ ተሽከርካሪ ጥራሕ ይኸውን

    ክልተ ግዜን ልዕሊኡን ነዊሕ ልቓሕ ወሲዱ ብዘይ ምቁርራፅ ልቐሑ ዝመለሰ ኣባል እንተኾይኑ 80% /ሰማነያ ሚኢታዊ/ ውሕስና እንተመሊኡ እቲ 20% /ዒስራ ሚኢታዊ/ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ባዕላ ውሕስና ትወሰደሉ፣

  • ዝልዓለ ልቓሕ ናይ መመለሲ እዋን ካብ 84 ክሳብ 120 ወርሒ ወይ 7 ክሳብ 10 ዓመት እዩ።

  • ይካኣል እዩ። ወለድ ልቓሕ ዝሕሰብ እዉን ክሳብ እታ ልቓሕ ዝምልሱላ ወርሒ እዩ።

  • ይክኣል እዩ።

    ኣባል ብሰናይ ድሌት ካብ ኣባልነት ክሰናበት ይኽእል፣

    ፍትሕ ሓዳር እንተጋጥም ክፍሊት መመዝገቢ ብምኽፋል ብዝገብርዎ ስምምዕነት ዕቋሮም ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ክቕፅሉ ይኽእሉ፣

    ካብ ኣባልነት ብድሌት ዝሰናበት ኣባል ስሩዕ ማመልከቻ ብፅሑፍ ከቕርብ ኣለዎ፣

    ብድሌት ዝሰናበት ኣባል ማመልከቻ ካብዘቕረበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስንብት ሕትኡ ተፈፃሚ ይኸውን፣ ኮይኑ ግን ዝተውሓሶ ኣባል ልቃሕ እንተሃልዩዎ ውሕስና ካብ ዝተልዓለሉ እዋን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስንብት ሕተኡ ይፍፀመሉ፤

    ዝሰናበት ኣባል ኣብቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ውሽጢ ዘለዎ ዕፃን ጥቕማ ጥቕምን ካብ ዘለዎ ዕዳ ተቐኒሱ ይኽፈሎ፣ ክፍሊት ዝፍፀም ሒሳብ ማሕበር ምስተመርመረ እዩ። ኾይኑ ግና ኦዲት እንተዘይተገይሩ ወድዓዊነት ዘለዎ መግለፂ ሒሳብ ተዳልዩ ኣመራርሓ ቦርድ እንተኣሚንሉ ክፍሊት ክፍፀም ይኽእል፣

    ዝሰናበት ኣባል ኣብ ማሕበር ዘለዎ ዕቋር(ዕፃ ከይሓወሰ) ምርመራ ሒሳብ ከየድለየ ዕቋሩ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎ፤

  • ግድን ኣይኮነን። ነባር ኣባል እንተኾይኑ ወርሓዊ ዕቋር ይኹን ናይ ዝወሰዶ ልቓሕ ዝምለስ ገንዘብ ናብ ባንኪ መፍለዪ ኮዱ ኣቐዲሙ፥ ሙሉእ ሽሙ ኣኸቲሉ ኣታዊ እንተገይሩ ናብ ዌብሳይት ብምእታው ብዝውሃቦም username password ን ብምእታው ሒሳቦም ክከታተሉ ይክእሉ እዩም ። ሓዱሽ ኣባል ዝኾነ ግን ፈለማ ናብ ባንክ ኣታዊ ብምግባር ናብ ቤት ጽሕፈት ክመጽእ ይግባእ። ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይመፀ ብኦን ላይን ወይ ብስልኪ ምምዝጋብ ይክኣል’ዩ።

ይርከቡና

ትግራይ,መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ 15 ቀበሌ

ፍሉይ ቦታ ፊት ንፊት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናብ ገዛ ገረላሰ ዝወስድ መንገዲ ጎኒ 104.4 ኤፍ ኤም መቐለ ዝርከብ ህንፃ 1ይ ፎቅ

ኢሜል

mizansaving1997@Gmail.com

ቁፅሪ ፖስታ

1906

ይደውሉ

+251 34 2416255/56/57
+251 952 565656

ሓደሽቲ ኣባላት መመዝገቢ

Flowers in Chania